ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም
እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ዝጸንሑ ቈልዑን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ትረድኦም መርከብ ረኺቦም። እዞም ካብ ሊብያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ ተዓቚቦም ህጹጽ ረዲኤት...
Latest releases
ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም
እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ዝጸንሑ ቈልዑን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ትረድኦም መርከብ ረኺቦም። እዞም ካብ ሊብያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ ተዓቚቦም ህጹጽ ረዲኤት ክረኽቡ ክምሕጸኑ ዝቐነዩ'ዮም። ...
ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም። "በጃኹም ሓጉዝና፡ ርድኡና፡ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት...
ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ካልጋሪ፡ ብሞት ኣዶናይ ተኽለ ዓሚቝ ጓሂኦም ገሊጾም
ኣብ ካልጋሪ - ካናዳ - ኣብ ባእሲ ንዝነበሩ ሰባት ክዓርቕ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣዶናይ ተኽለ፡ ትማሊ ቀዳም ሓመድ-ኣዳም ኣብ ዝለበሰሉ፡ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ካልጋሪ ብኸቢድ ሓዘን ከም ዘፋነውዎ ሲቲቪ ገሊጻ። ወዲ 24 መንእሰይ ኣዶናይ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 17 ለካቲት ኣብ ባእሲ ንዝነበሩ ካብ ክልተ ንላዕሊ ሰባት ከገላግል ኣብ ዝፈተነሉ ኣብ ርእሱ ድሕሪ ምህራሙ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ዓሪፉ። ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ካልጋሪ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብቲ...
ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት
ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንወኪል ስለያ እታ ሃገር ሞሳድ ሓደ ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣይሁድ [ቤተ-እስራኤላውያን] ብሕቡእ ኣውጺእኻ ናብታ ሃገር ንምውሳድ ዝግበር ምስጢራዊ ተልእኾ እዩ ነይሩ። በቲ ስርሒት ድማ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ብድሕሪኡ ናብ እስራኤል ኣትዮም። እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝትግበር 40 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ግን ብኸመይ'ዩ...