ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ)
ዋሽንግተን — ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።
ኤርትራ፣ ኣብ African All Games ብ15 ሜዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ
ካብ 4 ክሳብ 23 መጋቢት፣ ኣብ ጋና ክካየድ ኣብ ዝቐነየ፡ መበል 13 ውድድራት ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ወይ ድማ African All Games፡ ኤርትራ ብ15 ሜዳዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ።
ሶፊያ፡ ኣብ ሓያለ ዓለምለኻዊ ፌስቲቫላት ዝተሸለመት ኤርትራዊት ፊልም
ብኤርትራዊ ደራስን ኣላይን ኤፍሬም ካሕሳይ [ወዲ ኳዳ] ዝተደረሰትን ዝተኣለየትን ሶፊያ ዘርእስታ ፊልም ኣብ ሓያለ ዓለምለኻውያን ናይ ፊልም ፌስቲቫላት ብምውድዳር ሓያለ ሽልማታትን ኣፍልጦን ረኺባ።