ኤርትራ፡ ዕጽዋ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ድሕሪ 24 ዓመት
ዓመተ 1996፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ከኣ ብሓደ ኣገዳሲ ፍጻሜ ትዝከር። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሕጊ ፕረስ ኤርትራ ተኣወጀ። እቲ ኣዋጅ ትካላት-ጋዜጣ ክምስርቱ ንዝደለዩ ዜጋታት ዕድል ዝህብ ነበረ - ሬድዮን ተሌቪዥንን ግን ንመንግስቲ ጥራሕ ተሓዝአ። እቲ ኣዋጅ ቁጽሪ 90/1996 ዝተሰምየ፡ ኣዋጅ ፕረስን ውጽኢት ፕረስን፡ ብትግርኛ ዓረብኛን ኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣዋጅ ምስ ወጽአ ከኣ ብዙሓት...
Latest releases
ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት
ህዝቢ ዓለም፡ ቅድሚ 11 ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ሎም መዓልቲ - ሓሙስ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ 368 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ተረዲኡ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ስለምንታይ’ያ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ንደረጃኣ ዝምጥን ዓወት ምምዝጋብ ስኢና?
ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 29 መስከረም ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 91 ሻምፕዮና ዓለም ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰለሙንን ሙሴ ኣስሄልን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ምድባት’ያ ተወዳዲራ።
ኤርትራ፡ ብፊልም ‘ቬርሶ’ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ሰራሕታን ምስጢራን እንታይ እዩ?
እዛ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ገለ ዓመታት ተሰሪሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብመገዲ ቻነል ዩቱብ፡ ‘ኤሪ-ኦኣሲስ ኢንተርተይመንት’ ዝተዘርግሐት ፊልም ‘ቬርሶ’፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዓሚቝ ክትዕ ፈጢራ ቀንያ ኣላ። እዛ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ኵነኔ ዝወረዳ ፊልም፡ እቲ ኵነታት ማእሰርቲ ኵሎም እቶም ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ሞያውያን ኣስዒቡ...
ኬንያ፣ ዑቕባ ሓቲቶም ከብቅዑ ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ስደተኛታት ኣጠንቂቓ
ኣብ ኬንያ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም፣ ግና ብናይ ሃገሮም ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ስደተኛታት፣ ፓስፖርቶም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከረክቡ፣ ኮሚሽን ስደተኛታት እት ሃገር ጸዊዑ።