ኤርትራ ንሱዳን 'ዓቢ ደገፍ' ከምዝሃበት ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ ምዕባለታት ግጭት ሱዳን ንፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መብርሂ ከምዝበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። "መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን ዝገበሮ ዓቢን ዝቕጽልን ዘሎ ኣበርክቶ" ከምዝነኣደ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር...
Latest releases
ጀርመን፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ንምርካብ ሰፊሕ ድልያ ይቕጽል
ሰብመዚ ጀርመን ካብ ሰሉስ ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ዋይልበርግ ሄሰ ዝጠፍአ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ጳውሎስ ዳዊት ንምርካብ ንሰሙን መመላእታ ድልያ ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ። ወሃቢ-ቓል ፖሊስ፡ ዝከኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ምሉእ ለይቲ ሓዊሶም ምድላይ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ጳውሎስ ዳዊት `ኦቲስቲክ ስፔክቱረም` ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ቤት-ትምህርቱ ወጺኡ ከም ዝኸደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ...
ከረን፡ ንኻልኣይ ኲናት ዓለም ዘኽተመ ውግእ ጥንቁልሓስ፡ ኣብ 84 ዓመቱ
ኣብዚ ቅንያት - ቅድሚ 84 - ኣብ ኤርትራ ሓደ ወሳኒ ውግእ ተኻዪዱ ነበረ፣ ካብ 3 ለካቲት ክሳዕ 27 መጋቢት 1941። እቲ ውግእ ኣካል ካልኣይ ኲናት ዓለም ኰይኑ፡ ኣብታ ካብ ኣስመራ ንሰሜናዊ ምዕራብ 91 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ፡ ብጎበታት ዝተኸበት ሒላብ-መሰል ቅርጺ ዘለዋ ከረን እዩ ተኻዪዱ። ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ድማ "ውግእ ከረን (The Battle of Keren)" ተባሂሉ ይፍለጥ። ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ብዕብየታ ካልአይቲ እያ። ብ1930ታት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ...
ኤርትራ፡ ተቐዳደምቲ ምስ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ከይፍርሙ ንምንታይ ተኸልኪሎም?
ኤርትራ ብሕልፊ ብደረጃ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እትምልምል ሃገር እያ። እንተዀነ፡ ከምቲ ተኽእሎኣ እቲ ብዝሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክስስን ኣይርአን። ብኻልእ መዳይ፡ ካብ ውድድራት ውሽጢ ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ኰነ ዓለማዊ መድረኽ ዝሰጋገሩ ተጻወትቲ ብብዝሒ ክርኣዩ ኣይከኣሉን። እቲ ሕቶ ፍሉጥ እዩ፣ ዕቱብን ግሉጽን መልሲ ግና ይደሊ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዓይነት ስፖርት'ዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። ...
መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዕገርግር ንዝተሳተፉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ፍርዲ ሂቡ
መንግስቲ ሽወደን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ዝተጠርጠሩ ፍርዲ ሂቡ። እቶም ሽዱሽት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ 2023 ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ንማእሰርቲ ከም ዝተፈረዱ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሐን። ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ክፍረዱ እንከለዉ፡ እቲ ሻዱሻዮም ከኣ ንመንፈቕ ክእሰር ተበይኑዎ። እቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ምዃኖም ዝንገረሎም ውልቀሳባት...