ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ካብ ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቶም ልዕሊ 200 ኣብዚ ሳልስት‘ዚ ሰጕጉዎም። እቶም ብ29 ሚያዝያ፣ ብመንገዲ መስመር ቡሬ– ዓሰብ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉጉ ኤርትራውያን፣ ‘ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ዘይብሎም‘ ብዝብል ዝተገገፉ ምዃኖም ራድዮ...
Latest releases
ቱርኪ ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ካብ ምጥራዝ ክትቁጠብ ኣምነስት ጸዊዑ
ተጣባቒ ሰብኣዊ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ገሊጹ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ሓደጋ ብሓይሊ ምምላስ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ኤርትራውያን’ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም እንተጠሪዘሞም ንስቃይን ንማእሰርትን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ዘለዎ ስክፍታ ሓቢሩ።
ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ብጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ሞይቶም
ካብ ገማግም ባሕሪ ሰሜን ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ብንእሽቶ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ 12 ሓተቲ ዑቕባ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ፖሊስ ዝሃቦ ዘሎ ሓበሬታ መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ቆልዑ ዝርከብዎም ኤርትራውያን ‘ዮም።
ስዊዘርላንድ፣ 260ኤርትራውያን ንምስጓግ ትደፍኣሉ
ስዊዘርላንድ፣ ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዝነትጽጉ 260 ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ንምስጓግ ትደፍኣሉ ከምዘላ መርበብ ዜና ኢንፎ ማይግራንት ሓቢሩ። ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ፣ ንምስጓግ እቶም ኤርትራውያን ብዝምልከት ተደጋጋሚ ዘተ ከካይዱ ጸኒሖም‘ዮም።
ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ተኽእሎ ወፍሪ ምግፋፍ ዓሳ ንምድህሳስ ዑደት መራኽብ ከተካይድ’ያ
ሩስያ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት፣ ተኽእሎ ወፍሪ ምግፋፍ ዓሳ ንምድህሃስ ዘኽእል ዑደት ጭፍራ መራኽብ ከተካይድ ምዃና ኣፍሊጣ። እተን ዳህሰስቲ ዕምቆት ባሕሪ፣ ክኢላታት ጥልቀትን ተመራመርቲን ዝሓቖፈ ጭፍራ መራክብ ሩስያ፣ ካብ ካሊኒንግራድ ኣብ ዝተበገሳሉ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዲሚትሪ ፓትሩሸቭን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ናይ መሰናይታ ስነ ስርዓት ጌረሙለን።