ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሰብ መዚ እንታይ ዘትዮም?
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንትን ሓላፊት ድሕነት ኣውፈርትን እታ ሃገር ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተራኺቦም ተዘራሪቦም። 'ስቴት ሃውስ ኢንቨስተርስ ፕሮቴክሽን ዩኒት' ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ኮሎኔል ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ዕድላት ወፍሪን እታ ሃገር ዘለዋ ድሉውነትን ብሰፊሕ ኣብሪሃትሎም። ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣውፈርቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ...
Latest releases
'ፈጣሪ ይመስገን'፡ ተላጊበን ዝተወልዳ ኤርትራውያን ማናቱ ብመጥባሕቲ ተፈላልየን
ተጣቢቐን ዝተወልዳ ማንታ ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዝተገብረለን መጥባሕቲ ተፈላልየን። ነተን ኣስማን ሱመያን ዝተሰምያ ህጻናት ንምፍልላይ ልዕሊ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዕዉት መጥባሕ ከምዝተገብረለን ሰብመዚ ጥዕና ስዑዲ ኣፍሊጦም። እተን ህጻናት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከባ'ውን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ። "እንቋዕ ሓጎሰና። ኣስማን ሱመያን ብዓይንና ርኢናየን ንምለስ ኣለና። ኣብ ክፍሊ ጽዕቕ ክንክን'ኳ እንተለዋ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢየን ዘለዋ። vital signs ትርግታ ልቢ፡ ኦክስጅን፡ ጸቕጢ...
ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖት መግለጺ-መሪር ሐዘን
መርድእ ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣያና ጸሃየ ተኽለሃይማኖ መግለጺ መሪር ሐዘን ወየ፣ኣቦ ማርታ ዮዲት ሳምሶን ጳውሎስ ነቒልካ ዶ፣ኣፋኑውኒ ካብበልካስ፣ብሰላም ዕረፍ ኣያየ፣ኣከለጉዛይ ሰገነይቲ ዝዓዱ ወዲ ማይ መጉዶም፣ሐደ ካብ ቶም ሰብ ቀደም ዓዲ ኩሉና ዝኸዱ፣ኣያይ ጸሃየ ወደቦይ ተኽለሃይማኖት፣ኣታ ሐዊ ኣበባ ነቒልካ ዶ፣ ኣብ ሚላኖ ዝኾነኒ ጽላል፣ኣየ...
ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር ህያብ" ክብሉ ንዝገለጽዎ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክዕቅብዎ...
ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ተሓለቕቲ መሰላት፡...