ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ንዕድል ኤርትራ ዝቐየረ ኣካል
ኣብ ታሪኽ ኤርትራ 1941 መቐይሮታት ዘተኣታተወት ዓመት ነበረት። እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ዝኣተወሉ፡ መንቋሕቋሕታ ዝነበሮም ዜጋታት ብሃገራውነት ተደሪኾም ንባህግታት ናጽነት ክዅስኵስሉ ዝጀምርሉ ዓመት ነበረት። ሽዑ'ዩ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ብ5 ግንቦት 1941 ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ። ሃጸይ ሃይለስላሴ ከኣ ንኤርትራ ንምቍጽጻር ዝነበሮም ባህጊ ተግባራዊ ንምግባር ጻዕሮም ዝጀመሩላ ዓመት ነበረት። ብሓጺሩ፡ ምንቅስቓሳት ንናጽነት ወይ ከኣ...
Latest releases
ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር ጸዊዑ።
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።