Italy government furious as court orders compensation for sea migrant
ROME (Reuters) -An Eritrean who was among a group of sea migrants held on an Italian coast guard vessel for 10 days in 2018 is entitled to compensation, Italy's top appeals court has ruled,...
Latest releases
መቐለን ኣስመራን ዝርከብአን ከተማታት ብኸመይ ኣብ ኢጣልያ ኣስማት ጐደና ኰይነን?
ካብቲ ፍሉጥ ማእከላይ መደበር ባቡር ሮማ ሒደት 'ፌርማታ' ጥራይ ርሒቑ ይርከብ። ዘመናት ዘቝጸሩ ቅርስታት ብቐረባ ከቢቦምዎ ይረኣዩ። እቲ ከባቢ ግን ምስ ጥንታዊነት ሮማ ክነጻጸር ከሎ ብተዛማዲ ሓድሽ እዩ ምባል ይከኣል። መብዛሕትኡ መንበሪ ህንጻታት'ኳ እንተዀነ ውሑዳት ንግዳዊ ቦታታት እውን ዝሓዘ እዩ። እዚ ቦታ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ይበሃል። ኣፍሪቃዊ 'ከባቢ' ከም ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ጐደናታት 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ብስም ከተማታት እተን ኢጣልያ 'እግራ ዘንበረትለን' ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሰየመ...
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ፣ ኣቡ ዓቕላ ካኪል፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣዛዚ ነቲ ንሃገርን ቅንዕናን ብምምራጽ፣ ብሰላም ኢዱ ከምዝሃበ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ ኣንጻር ዓመጽ ክቓለስ ምውሳኑ ኣመልኪቱ። ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን ኣባላት ፈጣን ሓይልትታትን ሒዙ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ‘ዩ ተሓቢሩ። ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት...
ግጥም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ
ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ናይ መጻርዪ ዋንጫ ቻምፕዮንሺፕ ኣፍሪቃ ግጥመን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ዘካይድኦ ተፈሊጡ።እቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ክካየድ ዝነበሮ ክልተ ዙርያ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ከተማ ጁባ ክውዳእ ምዃኑ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፡ ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ ኣብቲ ግጥም ዝሳተፉ ተጻወቲ መነመን ምዃኖም ኣለልዩ ኣሎ። እቲ ጸወታ ስለምንታይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ክካየድ ከም ዝተወሰነ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን።
ምቅይያር ኪዳናት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጽልዋታቱን ሳዕቤናቱን
ኣብ መፋርቕ 2018፡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ጸኒዑ ዝነበረ “ኵነተ ኲናት”፡ ብኣኽብሮ ኣህጉራዊ ብይን ውሳነ ዶባት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ብዕርቀ ሰላም ተወዲኡ፡ ኣብቲ ዞባ ጩራ ሰላም ተዀሊዑ። እቲ ሰላም ሓሪምዎ ዝነበረ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት “ደጊም ይኣኽለና!” ክብል ነቲ ብስራት ብድሙቕ ዕልልታን ልባዊ ሓጐስን ተቐቢልዎ።