ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'ወተሃደራተይ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ የለውን'
ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣለዉ ዝብል ጸብጻባት "ሓሶት" ምዃኑ ኤርትራ ብወግዒ ገሊጻ።
ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?
ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ከም መሰጋገሪ ዝረግጹወን ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም መብዛሕትኦም ናብ ሳልሳይ ሃገር እዮም ዘቋምቱ።
ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኤርትራን ኢትዮጵያን 60ታት-70ታት እንታይ ይመስል ነይሩ?
ሓደ ካብቶም ንመንእሰያት ኤርትራ ይዅን ኢትዮጵያ ዝጸለወ ኵነታት፡ ለውጢ ሰርዓት ንምምጻእ ዝተኻየደ ቃልሲ ተምሃሮ እዩ። ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዀኑ ካልኣይ ደረጃ ብዘካየዱዎ ቃልሲ ፖለቲካዊ ለውጢ ክተኣታቶ ክኢሉ እዩ።
ኤርትራውያን ነበርቲ ካምፓላ ብዛዕባ ኣባል ፓርላማ ኡጋንዳ ዝበሎ ምኽሮም የካፍሉ
ዋሽንግተን -ኣለን ስዋንያና ዝተባህለ ኣባል ፓርላማ ኡጋንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ብዛዕባ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ ብፍላይ ኤርትራውያን ንኩነታት ናብራ የኽብርዎ ከም ዘለዉ ስኽፍትኡ ገሊጹ ኔሩ።