ዓሰብ፡ ኵነታት ናይተን ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣንን ኣባላተንን
ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣን ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከባ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም። እተን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተታሒዘን ዘለዋ መራኽብ ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን'የን ተታሒዘን። ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ትረንድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እተን መራኽብን ኣባላተንን ክሳብ ሎሚ ኣይተለቐቓን። እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ...
Latest releases
ብዛዕባ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሕጂ`ውን ካልእ ሓበሬታ ወጺኡ
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ 2021 ኣብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ኮቨንትሪ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ዝተገልጸ ኤርትራዊ ሄኖክ ዛይድ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ከም ዝሰምዐ ይዝከር። ኣብዚ ሓድሽ ዝወጽአ ሓበሬታ ድማ ቅድሚ ሞቱ ንሰለስተ ሰዓታት ምክትታል ከይተገብረሉ ከም ዝጸንሐ ሓበሬታ ረኺቡ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ብኣለይቲ ደሃይን ምክትታልን ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ፡ እቲ ተገሊጹ ዝነበረ ደረጃ 2 ዝበሃል ምእካብ ትዕዝብቲ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዘይተኻየደ...
ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ...
ኣሌክሳንደር ደጊሙ ይደምቕ፡ ሊቨርፑልከ ዋንጫ ከም እትዓትር ኣፍሊጣ ድያ?
ትማሊ ሰንበት ኒውካስል ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት 4 ብ 3 ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣገዳስነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድማ ናብ ደረጃ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለምና ዘሕኵሮ ህሞት ነይሩ። ኣሌክሳንደር በተን ትማሊ ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ተሓጊዙ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት'ዚ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዘቝጸረን ሸቶታት 19 በጺሐን። ሰለስተ እንተ ወሲኹ ድማ ኣብታ ክለብ ዝዓበየ ወፍሪ ዝተኻየደሉ ተጻዋታይ ክኽውን እዩ።
ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ዝመሳሰል ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ...