Abiy is calculating war with Eritrea, Can he be stopped?
Why is Abiy Ahmed Mongering a new war with Eritrea? The answer to the question is simple: it is the only card he has to stay in power. Right now, Abiy is without a solid base to maintain his...
Latest releases
ሕጕሳት ህዝቢ ዘለወን 10 ብሉጻት ሃገራት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን'ከ?
ጋሉፕ ዎርልድ ፖል፡ ዓመታዊ ብመሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዝእክቦም መረዳእታታት፡ ኣብ ዓለምና እተን ሕጕሳት ነበርቲ ዘለወን ሃገራት ብዓል መን ከም ዝዀና ይግምግም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ'ውን ናይ 2024 ጸብጻብ ሓጐስ ዓለም (World Happiness Report) ወጺኡ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዝቐረቡ ጸብጻባት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐት ሃገር ሕጂ'ውን ደረጃኣ ዓቂባ ኣላ። ብሓፈሻ ግን ኣብ ዝርዝር ብሉጻት 10 ሃገራት ገለ ለውጢታት ተራእዩ'ሎ።
ታሪኽ ተቓውሞታት ኣብ ኤርትራ
ኣብ ኤርትራ: ካብቲ "መንግስታዊ መስመር" ዝተፈለየ ሓሳብ ምስማዕ ወይ ተቓውሞ ምግላጽ ክልኩል እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብርክት ዝበሉ ተቓውሞታት ተኻይዶም'ዮም። ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሳ
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ሰብአዊ ግህሰት ከም ዝፍጽሙ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልሳን ነቐፍቶም ንምዕባስ ከም ኣጽዋር መጥቃዕቲ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኬንያን ዝርከቡወን ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ገምጊሙ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት...
ብሪጣንያ፡ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ገበነኛ ዝዀነ ደጋፊ ሂትለር ንሕልፈት ተፈሪዱ
ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝቃወም ሕሉፍ የማናዊ ዓሌተኛ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዕቝባ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ወዲ 32 ዓመት ካለም አሊሲስ ፓርስሎው፡ ናብ ሓደ ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ሆቴል ብምእታው ንናሆም ሓጐስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ'ዩ ተኸሲሱ። ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝመርሐ ዳኛ ዶቭ፡ ኣብ ልዕሊ ናሆም ሓጐስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ብ"ንኣኽራሪ፡ ዓመጽን ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝተጠምዘዘ፡ ኣተሓሳስባ ሕሉፍ የማናዊ ደጋፊ ናዚ" ዝተደፋፍአ'ዩ...