ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ደገፍቱ ክሕሎ ዝጽውዕ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዱ
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደግፍቱ፡ ናይ ምእካብ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰላቶም ክሕሎ ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም፡ ኣብ ከተማ በርን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ‘ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ስዊዘርላንድ ናይ ምዝራብን ምትእኽኻብን መሰልና ክሕለወልና‘ ክብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።
ሃገርና ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ስነጥበባውያን ኸሲራ!!
ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ሃገርና ዑስማን ዓብደልረሒም ብዕለት 07 መስከረም 2024 ዓም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን ብሕማም ዓሪፉ። ዑስማን በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉዳትን እዩ።
ገዲም በሃር ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።