ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክዕጾ እማመ ቀሪቡ
ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝገብሮ ዘሎ "ሰፊሕ ውጥን ምጕዳል ወጻኢታት መንግስቲ፡" ብቐዋምነት ክዕጸዉ ካብ ዝቐረቡ ዓሰርተ ተልእኾታት ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ዝተወጠኑ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ኵነታት ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ፖለቲኮ...
ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ንሰላም ዕረፍ
ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣ ገብሪሂወት ማሐሪ ዓሪፍካ ዶ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከበዶንዓዲ ቀይሕ እንዳ ጥመተ ብማዕዶ፣ ተጋደልት ተሐኤ ንደርጊ ከሊኦም ሩፍታኣብ 75 ካብ ቋሐይቶ ብማዕዶ ክትጥምታሐርበኛ ተቃሊስካ እወ ንኤርትራ ንነጻነታ፣ ኣፋል ኢሉ ንጎባጢት...
ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ዝተኣታተወ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ፡ 'ጸቕጥን መሰናኽልን ፈጢሩልና' ዝበሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምስ ወለዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንኽትራኸብ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ መንግስቲ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ስለ ዝኽልክል ምስ ወላዲኣ ክትራኸብ ዝነበራ ተስፋ ከም ዘይቀንዐ ሓቢራ። ቅድሚ ሕጂ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ከምኡ ዝኣመለሰ መረረን ቅሬታን...
ኤርትራ ንሱዳን 'ዓቢ ደገፍ' ከምዝሃበት ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ ምዕባለታት ግጭት ሱዳን ንፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መብርሂ ከምዝበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። "መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን ዝገበሮ ዓቢን ዝቕጽልን ዘሎ ኣበርክቶ" ከምዝነኣደ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ...