ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ዝተኣታተወ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ፡ 'ጸቕጥን መሰናኽልን ፈጢሩልና' ዝበሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምስ ወለዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንኽትራኸብ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ መንግስቲ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ስለ ዝኽልክል ምስ ወላዲኣ ክትራኸብ ዝነበራ ተስፋ ከም ዘይቀንዐ ሓቢራ። ቅድሚ...
Latest releases
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ። እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ‘ውን ብማዕረ ክሳተፋን ዘዘኻኽር‘ዩ። ብዘይካ‘ዚ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ዘስገድደን ከም ምኽንሻብን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ካልእ ዘቤታዊ ጎነጽ፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።...
‘ብኤርትራ ዝተታሕዘ ከባቢታት ትግራይ ኣጻሪና፣ መፍትሒ ንምንዳይ ብዕምቖት ንሰርሕ ኣለና’ ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብኤርትራ ዝተታሕዘ ከባቢታት ትግራይ ብምጽራይ፣ መፍትሒ ክርከበሉ ብዕምቆት ይስርሓሉ ከምዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።
ካብ ኦክስፎርድ ናብ በሲግዲራ፡ ናእዳ ዘትረፈ ምህዞ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት
ኣእምሮኣ፡ ኣእዛና፡ ኣጻብዕታን ኣእጋራን ወትሩ ኣብ ንጡፍ ስራሕን ምንቅስቓስን ምስተጸምዱ’ዮም።
ኢትዮጵያ፡ ምስጓግ ኤርትራውያን ይቕጽል
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ገፊፉ ኣሲርዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ምስጓግ ቀጺሉ።