ኣስመራ፡ ስምምዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን
መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብሓሙስ 10 ጥቅምቲ ኣብዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ተዘራሪቦም።ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደል-ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንክልቲኦም ዘንግድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ...
Latest releases
ሆላንድ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክሳብ 4 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም
ቤት-ፍርዲ ሆላንድ (ነዘርላንድስ) ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ጎንጺ ብዝተሓሓዝ ሎሚ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ኣብ 'ዴንሃኽ' (The Hague) ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 23 መስከረም 2024 ኣብ ዝነበሮ መጋባእያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝቐረበሉ ክስታት ናይ ማእሰርቲ ብይን ሂቡ።
ኢትዮጵያ-ኤርትራ፡ ተዘክሮታት ኣቶ ኣማኒኤል ኣብራሃም
ሓደ መዓልቲ ኣቶ ኣማኒኤል፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ሃይለስላሰ ብዛዕባ ኤርትራ ዘረባ ሞሊቑዎም ኣሰር ኣብ ሓዊ ኣትዮም ነበሩ። እቲ "ጌጋ"፡ ከም ሓቂ ጌጋ ኣይነበረን። ብኣረኣእያ ንጉስ ግን ከም ጌጋ ስለ ዝተወስደ ኣቶ ኣማኒኤል ክቕጽዑ ናይ ግድን ነበረ። እዚ ጽሑፍ እዚ እምበኣር ኣብቲ ዛንታ ከተኩር እዩ።
ሰውራዊ ምሕዝነት / ኤርትራ ፈለስጢን
2ይ ውግእ ዓለም ከብቅዕ እንከሎ ፡ ኤርትራን ፈለስጢንን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር / መግዛእቲ ብሪጣንያ`የን ነይረን ። ዓባይ ብሪጣንያ ብቲ ውሕሉልን ፉሉጡን ውድታዊ ኣሰራርሓኣ ፈለስጢን ንጽዮናውያን ከተረክባ እንከላ ፡ ንኤርትራ ኸኣ ንፍዩዳላዊ ስርዓት እትዮጵያ ኣረከበታ፡ ናብዚ ንምብጻሕ ኣብ ፈለስጢን ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈ ውረድ ደይብን ጎነጽ ነጽን ዕዮ ኣምሰሉን ብዙሕ`ዩ።
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ (ማባኤ)ከም መቀጸልታ ኣብ ህሉዉ ዞባዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ ጽልዉኡን ኣመልኪቱ ከቅርቦ ዝጸንሔ ትንታነታት ከም ዘመልከቶ ኣብ መስመር መጋዓዝያ እቲ ባሕሪ፣ ባሕሬኛታት፣ ድሕነት መስመር ቀይሕ ባሕርን ባህርያዊ ተፈጥርኡን ብመጥቃዕትታት ሓይልታት ሑቲ የመን ኣብ ሓድሽ ዝበኣሰ መድረክ ምእታዉ እዩ።