ኤርትራ፡ ብፊልም ‘ቬርሶ’ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ሰራሕታን ምስጢራን እንታይ እዩ?
እዛ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ገለ ዓመታት ተሰሪሓ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብመገዲ ቻነል ዩቱብ፡ ‘ኤሪ-ኦኣሲስ ኢንተርተይመንት’ ዝተዘርግሐት ፊልም ‘ቬርሶ’፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዓሚቝ ክትዕ ፈጢራ ቀንያ ኣላ። እዛ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰፊሕ ኵነኔ ዝወረዳ ፊልም፡ እቲ ኵነታት ማእሰርቲ ኵሎም እቶም...