ዑስማን ዓብዱልራሒም -- 60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፣ መረዋሕ ድምጺ፡ ንስለ ፍቕሪ
ዋሽንግተን — ኣብ 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን ዑስማን ካብ ብንእሽቶኡ እንከሎ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓዲሩዎ።ዑስማን ዓብዱልራሒም ከም በዓል “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ጸላም ብሮት ዘላት” “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም”፡ “ክልእከክን ረጋቢት”፡ “ናይ ኣካል ቪታሚን” ወዘተ. ዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራ ደርፍታት ኣፍርዩ’ዩ። ን60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፡ በቲ መረዋሕ ድምጹ ዝተቓነየ ዑስማን ዓብዲልራሒም ኣብ...
Latest releases
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ድሙቕ ኣቐባብላ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ። ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ኣብ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምውድዳር’ዩ ትማሊ ምሸት ናብ ሃገሩ ኣትዩ።
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል
ዋሽንግተን —ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም
ውረድ ደይብ ዝምልኦ ጕዕዞ ሂወት እያ ኣሕሊፋ። እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ክሳብ ምስ ምስ ሞት ተፋጢጥጣ ብእምነትን ሓቦን፡ ንዅሉ ሰጊራ እያ ሕልምታታት ዘግሃደት።
‘ኤርትራ፣ ዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ንዝሓዘቶ መርገጺ፣ ኣድናቖትና ንገልጽ’ ፕረዚደንት ኢራን
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኵናት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራ ንዝተወጽዐ ህዝቢ ፍልስጤም ንምድጋፍ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ፣ ኢራን ኣድናቖታ ከምእትገልጽ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር መስዑድ ፐዘሽኪያን ገሊጹ።