ኤርትራ፡ 103 ዝዕድመኦም ኣቦ ኣብ መካ ሓጅ ፈጺሞም
እቶም ኤርትራዊ ኣቦ፡ ሓደ ካብቶም 1.6 ሚልዮን ሓጃጆ ብምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ሚና ዝተባህለ ቦታ፡ ብመሰረት ሃይማኖት እስልምና ንሰይጣን ብእምኒ ምድብዳብ ዝፍጸም ስነስርዓት ከምዝተሳተፉን፡ እዚ ድማ ዕድመ ንእምነት ከምዘይግድብ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። ጕዕዞ ህይወት ሓጅ ሓምድ፡ ብብድሆታትን ተወፋይነት ንእምነትን ዝደመቐ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገበርዎ ቅዱስ ንግደት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ዘይናወጽ መብጽዓ ንምፍጻም ሓደ ካብ ዓንዲታት እስልምና ምዃኑ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ...
Latest releases
(ንህግደፋዊያን ሕልና ኣልቦ መንግስቲ ኖርወይ ምስ ከሰሶም መንዩ ዋሕሶም)ንመለይ ኣብ ባይቶ ዓደቦ ክነንበልብላ ኢና’’ኣምለኽቲ ንሐደ ሰብን ጉጅለን ኣይኮናን ንሕና።
(ንህግደፋዊያን ሕልና ኣልቦ መንግስቲ ኖርወይ ምስ ከሰሶም መንዩ ዋሕሶም)ንመለይ ኣብ ባይቶ ዓደቦ ክነንበልብላ ኢና’’ኣምለኽቲ ንሐደ ሰብን ጉጅለን ኣይኮናን ንሕና።
ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር ጸዊዑ።
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።