ኤርትራ፡ 103 ዝዕድመኦም ኣቦ ኣብ መካ ሓጅ ፈጺሞም
እቶም ኤርትራዊ ኣቦ፡ ሓደ ካብቶም 1.6 ሚልዮን ሓጃጆ ብምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ሚና ዝተባህለ ቦታ፡ ብመሰረት ሃይማኖት እስልምና ንሰይጣን ብእምኒ ምድብዳብ ዝፍጸም ስነስርዓት ከምዝተሳተፉን፡ እዚ ድማ ዕድመ ንእምነት ከምዘይግድብ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። ጕዕዞ ህይወት ሓጅ ሓምድ፡ ብብድሆታትን ተወፋይነት ንእምነትን ዝደመቐ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገበርዎ ቅዱስ ንግደት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ዘይናወጽ መብጽዓ ንምፍጻም ሓደ ካብ ዓንዲታት እስልምና ምዃኑ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ...
Latest releases
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር እዩ
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ እቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 243[d] ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ኣብ ሰበስልጣን ዝዀኑ ዜጋታት ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ ገደብ ቪዛ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ...
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጽግ
ዋሽንግተን —ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብ22 ሚያዝያ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ “ኣብ ኣገባብ ኣተኣኻኽባኡ ስሕተት ዘለዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝመንቀሊኡን” ክብል ኣትሪሩ ነጺጉዎ።
03 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ብደረጃ ዓለም ይዝከር
ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።
ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።