ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን...
Latest releases
ኤርትራ፡ ክንዮ ፈንቅል ዝነበረ ባህጊን ትጽቢትን
እዚ ሰሙን ቅንያት፡ መበል 35 ዓመት ጽንብል ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል እዩ። እዚ እዋን ከኣ እቲ ንሓርነት ሰምሃርን ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕን ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋን ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝተራእየ 'ቈራጽነትን ጀግንነትን ኤርትራውያን ተቓለስቲ'፡ ብደርፍን ሙዚቃን ድራማን ትልሂትን ክግለጽ ቀንዩ'ሎ። ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ይዅን ሓያለ ቻነላት ኤርትራውያን ነቲ ስርሒት ዘንጸባርቕ ዛንታት ክትረኻ ቀንየን ኣለዋ። ኣብ 1977 ዝነበረ ገስጋስ ሰውራ ኤርትራ፡ ንሓያሎ ከተማታት ተቘጻጺሩ፡ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብዘይካ ናቫል በይዝ፡ ወደብን ርእሲ ምድርን...
ኣዘርባዣን፡ ቤተሰብ ኤርትራ ዝሓዘቶም ባሕረኛታት ተቓውሞ የካይዱ
ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ኣዘርባዣናውያን ባሕረኛታት ክፍትሑ ቤተሰቦም ጸዊዖም። መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኣዘርባዣን ከምዝበሎ፡ ስድራቤት ናይቶም ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ኤርትራ ከምዘለዉ ዝንገረሎም ባሕረኛታት ብዛዕባ ኩነታቶም ርጡብ ሓበሬታ ክወሃቦም ንምጥላብ'ዮም ኣብ ርእሰከተማ ባኩ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን "ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ" ድሕሪ ምእታወን ብሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዛ ይግለጽ። ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ 18 ኣዘርባዣናውያን...
ኣስመራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ዛዚሙ ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ ወዲኡ ከም ዝተመልሰ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር ሲልቨይን ኣስቴር ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብምርኻብ ተዘራሪቡ ነይሩ።ምብጻሕ ናይቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምስ ጉዳይ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሓሓዝ ምስሕሓብ መፍትሒ ከናዲ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ'ዩ። "ኣብ ኤርትራ ዘካየድክዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ...