ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ ቤት ጽሕፈትን ዕላማታቱን
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ብርጌድ ንሓመዱ ግን መን እዩ? ስሙን ድሕረ ባይትኡን? ራኢኡን ዕላማኡን እንታይ እዩ? ቢቢሲ፡ ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ኣካየድቲ እቲ ምንቅስቓስን ገዳይም ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣዘራሪቡ ዘሰናድኦ ጽሑፍ እነሆ። ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ...
Latest releases
ስዑዲ ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ህሉው ዞባዊ ኩነታት ተመያይጠን
ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸረይጂ ዝምራሕ ላዕለኣይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ብረቡዕ 19 መጋቢት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ጊዶዎን ጢሜቴዎስን ብምርኻብ ዘትዩ። ዕላማ እቲ ዑደት፣ ኣብ ክልታውን ዞባዊን ጉዳያት...
ኣቢይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ፡ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን ንፓርላማ ዝሃቦ መግለጺ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ፣ ኤርትራን ኣፍደ ባሕርን ኣመልኪቱ ሎሚ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ። ኣቢይ ኣሕመድ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፈጻጽማ መደባቱ ተገምጊሙ፡ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት፡ ገደብ ግዜኡ ከምዝናዋሕ ኣፍሊጡ። እንተዀነ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምምሕያሻት ሕጊ ከም ዘድልዮንን ኣብ መሪሕነት መጠናዊ ለውጢ ከምዝግበረሉን ኣንፊቱ። ንሱ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ፡ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ...
ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይ፡ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ኤርትራን ኣፍደ ባሕርን ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረብሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቡ። ኣቢይ ኣሕመድ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፈጻጽማ መደባት ተገምጊሙ፡ መረጻ ክሳብ ዝካየድ፡ ንመጻኢ ክልተ ዓመታት፡ ገደብ ግዜ ከምዝናዋሕ ኣፍሊጡ። እንተዀነ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ምምሕያሻት ሕጊ ከም ዘድልን ኣብ መሪሕነት መጠናዊ ለውጢ ከምዝግበረሉን ኣንፊቱ። ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ፡ ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ...
ፖሊስ ብሪጣንያ ምስ ዕግርግር ኤርትራውያን ብዝተሓሓዝ 22 ሰባት ይሃድን ኣሎ
ፖሊስ ብሪጣንያ፡ ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእሲ ተሳቲፎም ንዝበሉዎም ናይ 22 ኤርትራውያን ኣሳእል ዘርጊሑ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጠመ ግጭት ብ25 ግንቦት 2024 ኣብ መንገዲ ዉድቦርን ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ሳውዝ ዮርክሻየር ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ዕግርግር ኣብ መንጎ ክልተ ንመንግስቲ ዝድግፉን ዝቃወሙን ጕጅለታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ ካብኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ይፍለጥ።