ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ዝመሳሰል ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ...
ዙር ርዋንዳ 2025፡ ታሪኹን ተዳልዩ ዘሎ ሽልማትን
ኣብቲ ካብ 23 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት ዝካየድ መበል 17 ዙር ርዋንዳ ትሽዓተ ኤርትራውያንን ሸሞንተ ኢትዮጵያውያንን ክተሳተፉ'ዮም። ብሓፈሻ ከኣ ኣብ 15 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 75 ተቐዳደምቲ ክወዳደሩ'ዮም። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ነቲ ንሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝዀነን ኣብ 2023 ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳን ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ መትከል እዮብ፡ ናሆም ዘርኣይ፡ ናታን መድሃኔን ንመጀመርታ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ዝውክል ዘሎ ዓወት ክብሮምን ሒዛ ክትሳተፍ'ያ።
ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ብቐጥታ መልሲ...
ዘይደቀሰ ጉዳይ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሄኖክ ዛይድ
ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ብ12 ነሓሰ 2021 ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ፡ ባዕሉ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ዝተገልጸ ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሴ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ሰሚዑ። ቅድሚ ሞቱ - ቅድሚ ሓያሎ መዓልታት - ካብቲ ማእከል ጥዕና ኣብ ዝሃደመሉ እዋን ካራ ሒዙ ከም ዝተረኽበ'ውን ሓበሬታ ረኺቡ። ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሴ ገና ቈልዓ 14 ዓመት እንከሎ፡ ካብ መበቈል ሃገሩ ኤርትራ ሃዲሙ ንዓመታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቚቡ ዝነበረ...