ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝህብ ትካል ኤርትራውያን
መሃንድስ ግርማይ ዘርኣይ፡ 'ረፕዩተይሽን ፖል ኢንተርናሽናል( RPI) ብዝተባህለ፡ ብደረጃ ዓለም ዝና ንዘጥረዩ ዋና ኣካየድቲ ባንክታት፣ ከምኡ'ውን፡ ንኢንዱስትሪታቶም ናብ ክብ ዝበለ ጽፍሒ ዘዕበዩ፡ ጽልዋ ዘሕደሩን ጸለውትን ሰባት ደረጃን ኣፍልጦን ብዝህብ ትካል፡ ኣብ መንጎ '100 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን 2025' ተረቚሑ። ግርማይ፡ መስራትን ዋና ኣካያድን ናይቲ ኣብ መዳይ ተተካኢ ጸዓት፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ጸሓያዊ ጸዓትን ምጭንጓዕ ማይን ኣድሂቡ ዝዓዪ ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ምስ 100 ህቡባት...
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ እቲ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ኒውካስል
እቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵ'ዕሶ እግሪን ኣሰልጠንትን ክለባትን ደሚቝ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ 9 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ተጻወትቲ ኒውካስል ዩናይትድ ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ምስቲ ናይ ኵሉ ግዜ ኮኾብ ኣርሰናል ዝነበረ ቴሪ ሄንሪ የመሳስልዎ እዮም። ኵዕሶ...
ሸውዓተ ኤርትራውያን ሓምሊ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ተቐርቂሮም ተረኺቦም
ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ሓምሊ ኣብ ዝመልአ ኮንተይነር ኣብ ዝጸዓነት መኪና ተሓቢኦም ዝጕዓዙ ዝነበሩ ሓንቲ ጓለ-ንስተይቲ እትርከቦም ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሓዙ ሓቢሮም።እቶም ስደተኛታት ከቢድ ውርጭን ዛሕልን ኣብ ዝወርደሉ ናይ ኤውሮጳ ኪሊማ ን18 ሰዓታት ኣብታ መኪና ከም ዝጸንሑን ኵሎም ኤርትራውያን ምዃኖምን ገሊጾም። እቶም ኤርትራውያን ድማ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ክሰጋገሩ እንከለው እቲ ብዘይ ሕጊ ኣሰጋጊሩዎም ከይከውን ዝተጠርጠረ ወዲ 59 ዓመት ሞሮካዊ መራሒ መኪና ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ...
በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ
በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ ምስ ብጾቱ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ታሪኽ ኣለካ ብሸለልታ ዘይሕለፍ፣ ዓሪፍካ ዶ ወደቦይ ተኪኤ ደኺመ ከይበልካ ጸሚኤ ታሪኽ ኣለካ ኣብ ተሐኤ፣ ህቡብ ኤርትርዊ በዓል ሐቦ ዜማታትካ ሰሚዕካ ዘይትጸግቦ ጸረ መግዛእቲ ዝመከትካ ብዓንቶቦ ዜማኻ ንመንእሰይ ኤርትራ ዝስለቦ፣ ብበሃር ነጋሽ ወይዞሮ...