ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኣብ 'ክፉትነት ቪዛ ኣፍሪቃ’ መበል ክንደይ ትስራዕ?
ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ደረጃ ክፉትነት ቪዛ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ በኒን፣ ጋምብያ፣ ሩዋንዳን ሲሸልስን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ። እዚ ማለት ኣፍሪቃውያን ናብዘን ሃገራት ንምእታው ቪዛ ኣየድልዮምን ማለት እዩ። ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ሱዳን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዓላ፡ ሊብያ፣ ኢኳቶርያል ጊኒን፤ ንዐአን ስዒባ ድማ ኤርትራ ኣብ መበል 51 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ኤርትራ፡ ብመንጽር ናብታ ሃገር ዝገሹ በጻሕቲ ዝሕተት ረቛሒታት ቪዛ፡ ካብተን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝምደባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና እዩ...
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኤርትራውያን ብመንገዲ ዓሰብ-ቡረ ሰጕጓ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ እናገፈፈ ቀይድዎም ዝጸንሐ ኣማኢት ኤርትራያን፣ ካብቲ ትማሊ 03 ታሕሳስ ኣትሒዙ፣ ብመንገዲ ዓሰብ – ቡሬ ናብ ኤርትራ ይሰጎም ከምዘሎ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።ዛጊት ኣብ ሽዱሽተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ ኣብዘን ክልተ መዓልታት፣ ናብ ኤርትራ ተሰጕጎም ኣለዉ።ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ተዳጕኖም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ምስጓግ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።...
‘መቐመጫይ ተንኪፉኒ’ ብምባል፣ ንሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ዝቐተለት ኣመሪካዊት ኣብ ጀርመን፣ ‘ርእሰይ ንምክልኻል’የ ኢላ
ጓል 20 ዓመት ኣመሪካዊት መንእሰይ ነበሪት ጀርመን፣ ከተማ ካይዘርስላውተርን፣ ኣብ መዓርፎ ባቡር፣ መቐመጫይ ተንኪፉኒ ብዝብል ክሲ፣ ንወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ኣቦ ብካራ ብምቕታላ፣ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረበት ጋዜጣ ቢልድ፣ ኣብ ናይ 03 ታሕሳስ ሕታማ ኣስፊራ።እታ መንእሰይ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2024፣ ነቶም ኤርትራዊ ኣቦ፣ ‘መቐመጫይ ተንኪፎሙኒ‘ ብምባል፣ ኣብ ሳንጣኣ ዝነበረ ተዓጻፊ ካራ...
ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ ኤርትራዊትን ኢትዮጵያዊትን ዝርከባሉ ዝርዝር ቢቢሲ ብሉጻት ደቂኣንስትዮ 2024
ቢቢሲ ን2024 ካብ መላእ ዓለም ዝተሓረያ 100 ኣነቓቓሕትን ጸለውትን ደቂ ኣንስትዮ ዝሓዘ ዝርዝሩ ወግዓዊ ገይሩ'ሎ። ካብ መንጎአን ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ሰላም ናድያ ሙራድ፡ ግዳይ ዓመጽ ጎስጓሲትን ጂዘል ፔሊኮት፡ ተዋሳኢት ሻሮን ስቶን፡ ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ሬቤካ ኣንድራድን ኣሊሰን ፌሊክስን፡ ደራፊት ራየ፡ ስእላዊ ስነጥበባዊት ትሬሲ ኤሚን፡ ተቓላሲት ክሊማ ኣደኒከ ኦላዶሱን ጸሓፊት ክሪስቲና ሪቨራ ጋርዛን ይርከብአን።