ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ።"እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ"...
Latest releases
‘ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ኣበርኪቶም’
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ካልኦት ዕዱማትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፣ ን21 ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።እቲ ኣብ፣ ፓላስ ፕለይ ፓርክ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ ብምትሕብባር ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገርን ዝተዳለወ ምዃኑ መርበብ ዜና ናይል ፖስት ጠቒሱ። ኣብቲ ንኻልኣይ እዋኑ ከምዝካየድ ዝተገልጸ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ካልኦት ዕዱማትን...
ኤርትራ፡ ታሪኻዊ መስመር ባቡር ናበይ ኣበለ?
እቲ ካብ ወደብ ባጽዕ ጀሚሩ ጊንዳዕን ኣስመራን ረጊጹ ንከረን ሓሊፉ ብኣቑርደት ኣቢሉ ድማ ኣብ ቢሻ ዝበጽሕ ዝነበረ 306 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ሓዲድ ብኸመይ ዓንዩ? ንምንታይከ ብግቡእ ክጽገን ዘይተኻእለ? ኢሎም ዝውከሱ ብዙሓት እዮም።ሓደ ካብ'ቶም ብግቡእ፡ ማለት ብዓሚቝን ብጸንቃቕን ኣገባብ ምርምር ዝተገብረሎም ዛዕባታት: እቲ ታሪኽ ናይ'ቲ ብጊዜ ጣልያን ዝተሃንጸ መስመር ባቡር ኤርትራ'ዩ። እታ ቀንዲ ተመራማሪት ጂኒ ስትሪት ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጸሓፊት ክትከውን ከላ ምስ ሓላፊ ፈሮቭያ ዝነበረ ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ ብቐረባ ብምትሕብባር'ያ ነቲ ምርምር...
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ሻቕሎቱ ገሊጹ
ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ምጥራዞም ከምዘሻቐሎ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንሕቶታት ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያን "ኣፍልጦ" ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ዝርከብዎም ከይኮኑ ዘለዎ ስግኣት ኣነጺሩ። "ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ክፍለጡ ዘይክኣሉ ግና ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘድልዮም ሰባት ምስቶም ዝተመልሱ...
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጽ?
ዋሽንግተን -ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዓለምለኸ፡ ዞባዊን ዘቤታዊን ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መጠየቕ ገይሩ ነይሩ። ኣብዚ ን2 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ዝኸደ ቃለ-ምልልስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዓለምለኸ ጉዳያት ብቐንዱ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ ቻይና ከምኡ’ውን ከባቢያዊ ኩነታት ካብኡ ዝበዝሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ መብርሂ ሂቡ። ነዚ ስዒቡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ዝሕበር መደበር ቴለቪዥን ፋና፡ ንቃለ-መጠየቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ዝነቅፍን ቁዋም ዘይብላ ሃገር እናመርሐ ንገዛእ ጉዳያቱ...