ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይን ምፍርራሕን ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተኻዪዱ ነይሩ። ኣብቲ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ብመንግስቲ ኤርትራን ወኪላቱን ብዛዕባ ዝገበር ጸቕጥታትን ሳዕቤናቱን ተዛሪቦም። ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ውልቃዊ ተመኵሮታቶም ኣካፊሎም ነይሮም። እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም...
Latest releases
ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።
4 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክስለፉ’ዮም
ቀዳም 4 ግንቦት ካብ ከተማ ቶሪኖ ተበጊሱ፡ ሰንበት 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝዛዘም ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2024፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክወዳደር‘ዮም።
ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምስጓግ ዝዓለመ ሓድሽ ውጥን እንታይ እዩ?
ኮሚቴ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስዊዘርላንድ፡ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ብሳልሰይቲ ሃገር ኣቢልካ ናብ ኣፍሪቃ ንምምላስ ዝዓለመ ውጥን ኣጽዲቑ።
ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተኻየደ ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ
ኣብ ኤርትራ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ወንጌላውያን ኣመንቲ ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም።
Load more...