Migrants are sleeping outside one of London's best known landmarks in new crisis
Migrants are camping outside one of Britain’s most famous landmarks as the small boat crisis intensifies, the Daily Express can reveal. Around 50 people – mainly from Eritrea – are sleeping rough over...
Latest releases
መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ናይ ኤርትራ በረራኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ። እቲ ሰኑይ 2 መስከረም ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ዢንፒን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ
ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ሎሚ ሰኑይ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት እታ ሃገር ኣቃሊሓን። ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ሺ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ካብ ስትራተጂያዊ ዝምድና ናብ ነዊሕ ዝጠመተ ፖለቲካውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘለዎን፣ ከምኡ’ውን ናብ ግብራዊ ምትሕብባር ብምስግጋር ምስ ኤርትራ ሓባራዊ ምዕባለ ንምምዝጋብን ሃገሩ ድልውቲ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒን ሓንቲ ኣደን ኣብ ለንደን ተቐቲሎም
ኣብ ለንደን ብድሕሪ’ቲ ሚልዮናት ሰባት ዝሳተፉሉ ካርኒቫል ኖቲንግ ሊል፡ ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒ ምግቢ (ሼፍ) ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት፡ ወዲ 41 ዓመት ሙሴ እምነቱን ጓል 32 ዓመት ቼር ማክሲመነን እዮም።