ሱዳን፡ ከም ምሩኻት ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣበይ ኣተዉ?
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ቢቢሲ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ብዝረኸቦ ሓበሬታ እቶም ግዳያት፡ ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተታሕዙ ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ከም ዝዀኑ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር። እዞም፡ ድሕሪ ሽዑ ህጣሞም ጠፊኡ ዝጸንሐ መንእሰያት፡ ኣብታ ከም መሰጋገሪ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለኣ ካበይ ናበይ?
ኣብ ኤርትራ ኣብ 40’ታት፡ 50’ታት፡ 60’ታት ዝነበረ ህይወት፡ ብሓፈሻዊ መልክዓቱ ምስ ዝልካዕ፡ ምስዚ ሕጂ ሰፊኑ ዘሎ ህይወት ኣይመጣጠንን’ዩ ዝብሉ ብዙሓት ምሁራን ዜጋታት ኣለዉ።
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ
ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ጸሓፋይ ተባሂሉ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ።
ኤርትራ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ ይፍጸም ኣሎ
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ናይተን ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከካይድዎ ዝጸንሑ ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም። እቶም ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ገዛውቶም ዝተወስዱ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። ሓደ...
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ዝተብሃለ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቲ ብቅጽበታዊ ውድድር ብዘተኣማምን ብቕዓት ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።