ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሓይልታት ፖሊስ ነቲ ሎሚ ዓርቢ ንዝኽበር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ድሉዋት ኰይኖም ቀንዮም ኣለዉ።
ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ንዘለናዮ መድረኽ ዘይበቅዕ ዝሞተ’ ዝተባህለ ስለምንታይ'ዩ? ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸ?
እታ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንናጽነት፡ ልኡላወነታ ካብ ትእውጅ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዘሕለፈት ሃገረ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ዓመታት ዝጸንሐ ምኽንያት ከቢድ ወቐሳ፡ ብኩራት ቅዋምን፡ ብሰንኩ ቅዋማውነትን ቅዋማዊ ስርዓትን ብዘይምትካሉ ዝሰዓበ ድዅም ትካላትን ግዝኣተን ሕጊ፡ ዝፍጸም ሰፊሕ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኢፍትሓዊነትን እዩ።
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።