ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ
እቶም ካብ ኤርትራ ብክልላት ዓፈርን ትግራይን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዓለምለኻዊ ዕቝባን መሰረታዊ ድሌታትን ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ግቡእ ውሕስነት ክወሃቦም፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ዩኤንኤችሲኣር ጸዊዑ።እቲ ኮሚሽን ሎሚ ረቡዕ 20 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ንኢትዮጵያ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ጸብጻብ ኮምሽን ስደተኛታት፡ ካብ ጥሪ 2024 ጀሚሩ...
Latest releases
መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ናይ ኤርትራ በረራኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ። እቲ ሰኑይ 2 መስከረም ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ዢንፒን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ
ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ሎሚ ሰኑይ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት እታ ሃገር ኣቃሊሓን። ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ሺ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ካብ ስትራተጂያዊ ዝምድና ናብ ነዊሕ ዝጠመተ ፖለቲካውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘለዎን፣ ከምኡ’ውን ናብ ግብራዊ ምትሕብባር ብምስግጋር ምስ ኤርትራ ሓባራዊ ምዕባለ ንምምዝጋብን ሃገሩ ድልውቲ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒን ሓንቲ ኣደን ኣብ ለንደን ተቐቲሎም
ኣብ ለንደን ብድሕሪ’ቲ ሚልዮናት ሰባት ዝሳተፉሉ ካርኒቫል ኖቲንግ ሊል፡ ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒ ምግቢ (ሼፍ) ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት፡ ወዲ 41 ዓመት ሙሴ እምነቱን ጓል 32 ዓመት ቼር ማክሲመነን እዮም።