ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን...
Latest releases
ኤርትራ፡ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተረጋጊጹ
ሓላፊ መደባት ስፖርት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ (ቶፖ) ንሚኒስተሪ ዜና ኤርትራ ወኪሉ፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ናብቲ ፓሪስ ዝተኻየደ መበል 33 ውድድር ኦሎምፒክ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ሓቲቱ ከም ዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብቲ ቦታ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ፐን ኤርትራ፡ ፍሉጥ ጸሓፍን ተርጓምን ዳኒኤል ሰመረ ዕዉት ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት 2024 ኰይኑ
ፍሉጥ ደራሲን ተርጓምን ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ፡ ዕዉት ሽልማት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2024 ኰይኑ ምርቍሑ፡ እቲ ትካል ብመርበብ ሓበሬታኡ ኣቃሊሑ። ዳኒኤል፡ ነዚ ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት ዝተዓወተ፡ ‘ሓላው እታ ወርቃዊት ገረብ’ እትብል ዓባይ ታሪኻዊት ልበወለዳዊት መጽሓፍ፡ ካብ ስርሓት ማርክ ትወይን ዝረዓመት ፍልስፍናዊት መጽሓፍ ‘ደብዳበታት ሰይጣን’፡ ከምኡ’ውን ‘እቲ ዕንጭቝሊት ልኡል’፡ ‘ኢናና’፡ ‘ቅርቅረ’ እትብል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንዝጽሓፎም ዓንቀጻት ዝኣከበት መጽሓፉን፡ ብሓፈሻ ኣብ ቋንቋን ስነጽሑፍን ትግርኛ ብዝገበሮ ዓቢይን ነባርን ኣበርክቶን ምዃኑ ፐን ኤርትራ፡ ኣብቲ ሎሚ 18 መስከረም 2024 ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኤርትራ -- ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ትዝክር
ዋሽንግተን —ሎሚ 18 መስከረም 2024፡ መበል 23 ዓመት ምዕጻው ናጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝዝከረሉ፡ መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ድንፋዐ ስነ-ጽሑፍን ዝጣበቕ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ዝተሰየመ ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ድማ ናይዚ ዓመት ዕዉት መሰል ምግላጽ ሓሳባት ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ካብ 2019 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝዝከርን ኣብ ስነ-ጽሑፍን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ዝወሃብ ሽልማት፡ ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ዕዉት ናይዚ ዓመት ኰይኑ ተሸላሚ ንምዃን በቒዑ ኣሎ።
ኤርትራ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኣብ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ዶባታ ዓጽያ
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ብዘሎ ሕማም ኮሌራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።