ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር...
Latest releases
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ እቲ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ኒውካስል
እቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵ'ዕሶ እግሪን ኣሰልጠንትን ክለባትን ደሚቝ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ 9 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ተጻወትቲ ኒውካስል ዩናይትድ ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ምስቲ ናይ ኵሉ ግዜ ኮኾብ ኣርሰናል ዝነበረ ቴሪ ሄንሪ የመሳስልዎ እዮም። ኵዕሶ...
ሸውዓተ ኤርትራውያን ሓምሊ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ተቐርቂሮም ተረኺቦም
ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ሓምሊ ኣብ ዝመልአ ኮንተይነር ኣብ ዝጸዓነት መኪና ተሓቢኦም ዝጕዓዙ ዝነበሩ ሓንቲ ጓለ-ንስተይቲ እትርከቦም ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሓዙ ሓቢሮም።እቶም ስደተኛታት ከቢድ ውርጭን ዛሕልን ኣብ ዝወርደሉ ናይ ኤውሮጳ ኪሊማ ን18 ሰዓታት ኣብታ መኪና ከም ዝጸንሑን ኵሎም ኤርትራውያን ምዃኖምን ገሊጾም። እቶም ኤርትራውያን ድማ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ክሰጋገሩ እንከለው እቲ ብዘይ ሕጊ ኣሰጋጊሩዎም ከይከውን ዝተጠርጠረ ወዲ 59 ዓመት ሞሮካዊ መራሒ መኪና ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ...
በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ
በሃር ስነ ጥበባዊ ነጋሽ ብሰላም ዕረፍ ምስ ብጾቱ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ታሪኽ ኣለካ ብሸለልታ ዘይሕለፍ፣ ዓሪፍካ ዶ ወደቦይ ተኪኤ ደኺመ ከይበልካ ጸሚኤ ታሪኽ ኣለካ ኣብ ተሐኤ፣ ህቡብ ኤርትርዊ በዓል ሐቦ ዜማታትካ ሰሚዕካ ዘይትጸግቦ ጸረ መግዛእቲ ዝመከትካ ብዓንቶቦ ዜማኻ ንመንእሰይ ኤርትራ ዝስለቦ፣ ብበሃር ነጋሽ ወይዞሮ...
ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ምስ 18 ሰራሕተኛታተን ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባ ንምልቃቕ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ ገሊጻ
ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ምስ 18 ሰራሕተኛታታተን ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽባ ንምልቃቕ ጻዕርታት ተካይድ ከምዘላ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ሎሚ 08 ጥሪ፣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እተን ናይ ንግዲ ምዃነን ዝተሓበራ መራኽብ ኣዘርባዥያን፣ ናብ ኣቡዳቢ እናምርሓ እንከለዋ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ማዕበልን ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ምስ ተጸግዓ፣ ብ07 ሕዳር 2024 ከምዝተታሕዛ‘ዩ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።...