ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን...
Latest releases
እንግሊዝ፡ ኣብ ጐደናታት ብዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር 25 ሰባት ተኣሲሮም
እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠቐሶ 'ካልእ ፍሕሶ ኲናት' ካብ ምንታይ ዝብገስ እዩ?
ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ በዓል ናጽነት ብድምቀት ከተብዕል እንከላ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኲናት ከጋጥም ከም ዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" የድሊ ምባሉ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ
ብ ኤርትራ "ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ" ከምዝተፈጸመ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።
ወየ ብጻይ ተስፋማርያም ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ህያው ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሐልፍ
ወየ ወየ ወየ ወደባይ ክብርኣብ ዓሪፍካ ዶ ንፍትሒ እንዳ ተቃለስካ ኣምላኽ ካብ ፈቀዶ ከም ብጾትካ ሐመድ ዓደቦኻ ሐሪሙኳ ጋዶ,, ንነጻነት ንሐርነት ክቃለስ ንሜዳ ወሪዱ ምስ ውድብ ተሐኤ ኣብ ኣኽራናት ዓሪዱ ሐንሳብ ምስ ወፈረ ዘይተመለሰ ንዓዱ,, ሐርበኛ ደላይ ፍትሒ ዶ ክብለካ ደላይ ሐርነት ንፍትሐዊት ኤረትራ እንበር ዘይወፈረ ንባርነት ሕድሪ ዘይጠለመ...