ሕሜቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ እንታይ እዩ?
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮርዶፋን ዝተወሰነ ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብ2 ሰነ ብመገዲ ተሌግራም ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።ንሱ ኣብቲ ኣብ ህሉው ኵነታት ኲናት ሱዳን ማእከል ገይሩ ሓያለ ኣርእስታት ዝተናኸፈ መግለጺኡ ኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ። ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ -...
Latest releases
ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ጸኒሑ
ብ ሰሜን ካሮላይና ድሕሪ ዘጋጠመ ተኹሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ሓደ ክሱስ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ከምዝተረኽበ ጸብጻብ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ሓቢሩ።
ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ)
ዋሽንግተን — ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።
ኤርትራ፣ ኣብ African All Games ብ15 ሜዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ
ካብ 4 ክሳብ 23 መጋቢት፣ ኣብ ጋና ክካየድ ኣብ ዝቐነየ፡ መበል 13 ውድድራት ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ወይ ድማ African All Games፡ ኤርትራ ብ15 ሜዳዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ።
Load more...