ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ኣመሪካ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ...
Latest releases
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።