ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር...
Latest releases
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።
እንግሊዝ፡ ኣብ ጐደናታት ብዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር 25 ሰባት ተኣሲሮም
እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠቐሶ 'ካልእ ፍሕሶ ኲናት' ካብ ምንታይ ዝብገስ እዩ?
ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ በዓል ናጽነት ብድምቀት ከተብዕል እንከላ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኲናት ከጋጥም ከም ዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" የድሊ ምባሉ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ
ብ ኤርትራ "ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ" ከምዝተፈጸመ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።
Load more...