ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ዝተኣታተወ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ፡ 'ጸቕጥን መሰናኽልን ፈጢሩልና' ዝበሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምስ ወለዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንኽትራኸብ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ መንግስቲ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ስለ ዝኽልክል ምስ ወላዲኣ ክትራኸብ ዝነበራ ተስፋ ከም ዘይቀንዐ ሓቢራ። ቅድሚ...
Latest releases
ኣስመራ ንዓወት ቢንያም ትጽንብል
ኣስመራ —ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርእዮ ዘሎ ዓወት፡ ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ጽንብል ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወት ቢንያም፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ክጽንብል ቀንዩ ኣሎ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ሎሚ'ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ
ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።ንሱ፡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ 12 መድረኻት ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ንዕኡ ንጋንታኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ታሪኽ ኣግዚሙ።
ኣብ መዓስከር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ብዙሓት ቈሲሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብቐዳም ምሸት ከምኡ’ውን ሰኑይ ምሸት ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ብሓፈሻ ልዕሊ 10 ሰባት ከም ዝተሃርሙ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኡጋንዳ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ኣብ ኡጋንዳ፡ ከተማ ካምፓላ፡ ከባቢ ካባላጋላ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብምቕታል ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ፖሊስ ‘ታ ሃገር፡ ሎሚ ሰሉስ 09 ሓምለ 2024 ሓቢሩ።