ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕመጥሉ ሆቴል ኣልዒልዎ ዘሎ ክትዕ እንታይ እዩ?
ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምምሕዳር ማንቸስተር ዓቢይ ዝርከብ፡ ኣብ ቀረባ ኣስታት 300 ሓተትቲ ዕቝባ ክነብርሉ ዝጀመሩ ሆቴል ዝቕመጡ ሰባት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ሕቶታት ከልዕሉ ጀሚሮም።ኣብዚ ክሬስታ ኮርት ዝተባህለ ሆቴል ዝነብሩ ዘለው ሓተትቲ ዕቝባ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ይእመን። ኣብ ግሬተር ማንቸስተር ቤት ምኽሪ ከባቢ ትራፎርድ ንጕጅለ ተቓዋሚ ዓቃባውያን ዝመርሕ ናታን ኢቫንስ፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ እናዓበየ...
Latest releases
እስራኤል፡ 'ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ባእሲን ዕግርግርን ኤርትራውያን ኣይሓደሰናን' - ፖሊስ ተልኣቪቭ
ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር በን ግቪር ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን ክጥረዙ ከምዝጸውዐ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት 2 ተቐቲሎም 8 ተሃሪሞም
ኣብ እስራኤል፡ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቀዳም 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን፡ “ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን” ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ከቢድ ዕግርግር፡ ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከምዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ወዲ 79 ዓመት ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፈ ስድራቤቱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣቶ ብርሃነ፡ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።