ኣስመራ፡ ስምምዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ግብጺ፡ ሶማልያን ኤርትራን
መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብሓሙስ 10 ጥቅምቲ ኣብዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ተዘራሪቦም።ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደል-ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንክልቲኦም ዘንግድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ...
Latest releases
Talented Doctor Brings Wealth of Experience to Eritrea
An unexpected path leads Dr. Babiker to HCP and its mission to build local capacity in...
ኣዋጅ ምእላይ ካብ ስልጣን
ንነዊሕ እዋን፣ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ኣቦወንበር ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒን ገለ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱን፣ ኩሉ ሰብ ብዓቢ ስክፍታ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ ኢዩ። ምኽንያት ናይዚ ስክፍታ ሰልፊ ሕዳሰ፣ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ንጹር ዕላማን መትከላትን ዘለዎን፣ ኣብ ሃገራዊ ራእይ ዝተመስረተ ብምንባሩ፣ ኣቀረርባ መራሕቱን ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓትን ሃገራዊ መርገጽ ዘራጉድ ተራኦምን ንፍትሓዊ ጉዳያት ህዝቢ ኤርትራ ዘዕዝዝን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ስርዓት ንምውዳቕን፡ ደሞክራስያዊ...
ኤርትራን ሳዋን፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ከምዚ እዋን
ቅድሚ 30 ዓመት፡ ልክዕ ከምዚ እዋን፡ ስታድዩም ኣስመራ፡ ገና ብንግሆኡ፡ ካብ ፈቐዶ ኵርናዓት እታ ከተማ፡ ሃገራዊ ጻውዒት ክምልሱ ብዝውሕዙ መንእሰያት አዕለቕሊቓ ኔራ። እቶም ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ገሊኦም ብመካይን፡ ገሊኦም ብሚኒባሳት፡ ዝበዝሑ ከኣ ብኣጋር፡ ሳናጡኦም ተሰኪሞም፡ ብስድራ ቤቶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን መማህርቶምን ተዓጂቦም እናሰሓቑን እናተጫረቑን ኣብቲ ቀጽሪ ተኣኻኸቡ።
ብቓንዛ ዝተጐብአ ትጽቢት ስድራቤታት፡ ዛንታ'ታ ብዘይ ሰዳድ ወረ ዝተሸርበት ‘ሰራም’ ጃልባ 2014
ክረምቲ 2014 እዩ ነይሩ - ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት። ቀዝሒ ኣውሮጳ ክሓልፈሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ።