ዑስማን ዓብዱልራሒም -- 60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፣ መረዋሕ ድምጺ፡ ንስለ ፍቕሪ
ዋሽንግተን — ኣብ 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን ዑስማን ካብ ብንእሽቶኡ እንከሎ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓዲሩዎ።ዑስማን ዓብዱልራሒም ከም በዓል “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ጸላም ብሮት ዘላት” “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም”፡ “ክልእከክን ረጋቢት”፡ “ናይ ኣካል ቪታሚን” ወዘተ. ዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራ ደርፍታት ኣፍርዩ’ዩ። ን60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፡ በቲ መረዋሕ ድምጹ ዝተቓነየ ዑስማን ዓብዲልራሒም ኣብ...
Latest releases
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂም ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ
ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ሰርኵት ፍራንኮ በልገ ዝተብሃለ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ንመወዳድርቲ ብቅጽበታዊ ውድድር ብዘተኣማምን ብቕዓት ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነታ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ኣብዒላ።እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ እያ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ተጐናጺፋ።
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።
እንግሊዝ፡ ኣብ ጐደናታት ብዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር 25 ሰባት ተኣሲሮም
እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።