ኣብ ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።
Latest releases
ኤርትራ፣ ቆልዑት ስድርኦም ኣመንቲ ክርስትና ጥራይ ስለ ዝኾኑ፣ ምስ ወለዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም..........
ብዙሓት ካብኣቶም ደቂንስትዮን ህጻናትን እዮም።ኣብ ኤርትራ ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣመንቲ ኣዴታት ኣብ ዝቕይዳሉ እዋን፣ ሓላፍነት ናይ ቆልዑ ዝወስድ ኣቦ እንተዘይሃልዩ ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻውንቲ ዝርከብዎም ቆልዑ ከይተረፈ ሓቢሮም ምስ ኣዴታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎኑ ይፍለጥ።
ሓድሽ ዜና፡ ቀጠልያ ማልያ ዝዓቀበ ቢንያም ግርማይ ናብ 2ይ ደዪቡ፡ ፍሊፕሰን ተቐጺዑ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃይኮ ኣልኡላ ዳይላን ግሮንወገን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ጃስፐር ፈሊፕሰን ካልኣይ ቢንያም ግርማይ ከኣ ሳልሳይ ወጺኦም'ኳ እንተነበሩ፡ ድሒሩ ብዝተገበረ ምጽራይ ጃስፐር ፈሊፕሰን ኣብ እዋን ቅጽበታዊ ውድድር ዘይንቡር ኣካይዳ ከይዱ ተባሂሉ ብኣዳለውቲ እቲ ውድድር ስለዝተቐጸዐ ቢንያም ናብ ካልኣይ ደረጃ ደዪቡ።
ኤርትራ - ሰለስተ መንእሰያት ሓድሽ ኣገባብ መረዳድኢ ‘ቋንቋ ምድህሳስ” ኣማዕቢሎም
ኣስመራ —ተመስገን እያሱ፡ ዳንኤል ተኽለጊዮርጊስን ሮዳስ ተኽለን ዝተባህሉ፡ ኣብ ሳዋ ከም ኣማኸርቲ መምህራን ኮይኖም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ናይ ስነ-ልቦና ምሁራት፡ ብተበግሶኦም ዘማዕበልዎ ‘ቋንቋ -ምድህሳስ’፡ ረቡዕ 28 ስነ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዳራሽ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ንህዝቢ ኣላልዮም።
ህይወትናን ንብረትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ክብሉ ኤርትራውያ ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ገሊጾም
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም።