ኤርትራ ምስ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ንጸገም ኤለክትሪክ ይፈትሖዶ?
ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ንህንጸት ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል ተወሳኺ 20 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ከም ዝኸተማ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።ነቲ ስምምዕ፡ ምኒስተር ፋይናንስን ቍጠባዊ ልምዓትን ኤርትራ ዶ/ር ጊዮርግስ ተኽለሚካኤልን ምክትል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሊያንድረ ባሶለን ኣብ ኣስመራ ክታሞም ከም ዘንበርሉ ተሓቢሩ። እዚ 20 ሚልዮን ዶላር፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንክ...
Latest releases
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ሱዳን፣ ከም ምሩዃት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ሓገዝ ይሓቱ
ካብ ኢትዮጵያ፣ ብመንግዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት ሱዳን ከም ምሩዃት ተታሒዞም ይሳቐዩን ይጋፍዑን ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ናብ ራድዮ ኤረና ብምድዋል ኣመልኪቶም።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓድሽ ሕጊ ስደት ኣውሮጳ ብኸመይ ይጽለዉ?
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን ግህሰት መሰላትን ካልእን ዝጠንቁ ብብዝሒ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ጸኒሖም እዮም።