ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡...
Latest releases
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ሻቕሎቱ ገሊጹ
ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ምጥራዞም ከምዘሻቐሎ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንሕቶታት ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያን "ኣፍልጦ" ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ዝርከብዎም ከይኮኑ ዘለዎ ስግኣት ኣነጺሩ። "ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ክፍለጡ ዘይክኣሉ ግና ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘድልዮም ሰባት ምስቶም ዝተመልሱ...
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጽ?
ዋሽንግተን -ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዓለምለኸ፡ ዞባዊን ዘቤታዊን ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መጠየቕ ገይሩ ነይሩ። ኣብዚ ን2 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ዝኸደ ቃለ-ምልልስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዓለምለኸ ጉዳያት ብቐንዱ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ ቻይና ከምኡ’ውን ከባቢያዊ ኩነታት ካብኡ ዝበዝሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ መብርሂ ሂቡ። ነዚ ስዒቡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ዝሕበር መደበር ቴለቪዥን ፋና፡ ንቃለ-መጠየቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ዝነቅፍን ቁዋም ዘይብላ ሃገር እናመርሐ ንገዛእ ጉዳያቱ...
ኤርትራ፡ መበል 6ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተመሪጾም
ኣቡነ ባስልዮስ መበል 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ተመሪጾም። ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምርጫ ሲኖዶስ'ዮም ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ነቲ ጥርሑ ዝጸንሐ መንበረ ፓትሪያርክ ክርከቡ ተሓርዮም ዘለዉ። ኣብቲ ምርጫ 85 ኣባላት ሲኖዶስ ከምዝተረኽቡ እታ ቤተክርስትያን ዘውጽኣቶ ወግዓዊ መግለጺ ይጠቅስ። ሰለስተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ነይሮም። ...
ኤርትራ፡ መስርሕ ምርጫ ፓትርያሪክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምዕዛብ ጳጳስ ኤለክሳንድርያ ኣስመራ ኣቲዮም
ሻዱሻይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ከምዝምረጹ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኦርተሮዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክረስትያን ኤርትራ ሓቢራ።ነዚ መስርሕ ምርጫ ንምዕዛብ ብጳጳስ ኤለክሳንድርያ ፓትሪያሪክ መንበረ ማርቆስ ጳጳስ ቴዎድሮስ ካልኣይ ዝተወከሉ ልኡኻን ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ'ውን ትማሊ ናብ ኣስመራ ኣቲዮም። እቶም ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ሜትሮፖሊታን ብጹዕ ኣቡነ ዳንኤል ዝተመርሑ ብጹዕ አቡነ ኣንጀሎስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቢጎልን ዲያቆን ዮሴፍን ኣብ ኣህጉራዊ...