ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ኤርትራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ዓመተ 2024
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዛ እነፋንዋ ዘለና ዓመተ 2024፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ ታሕሳስ ዝተራእዩ ፍጻመታት ብሕጽር ዝበለ ዝርዝራት ቀሪቡ ኣሎ።ብሕልፊ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ግብጺ፡ ኢጣልያ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ምብጻሕ ኣካይዱ። ብኻልእ መዳይ፡ ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሙሽተ ግዜ፣ ንፕረዚደንት ግ ብጺ ሓንሳብ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ግብጺ ክልተ ግዜ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ከምኡ'ውን፡ ንሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎም።
ቢንያም ግርማይ፡ ዓመተ 2024 ኣፍሪቃን ኤርትራን ዝወረቓሉ ዓመት
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2024 ዘመዝገቦ ሓደሽቲ ክብረ ወሰናት ምጽብጻብ ንባዕሉ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ስራሕ'ዩ። ቢንያም፡ ነዚ ሓደሽቲ ክብረወሰናት ንምምዝጋብ፡ እቲ ንልምምድ ዝዘወሮ ከይጸብጻብካ፡ ኣብ ውድድር ጥራይ 11 ሽሕን 773 ኪሎሜተር'ዩ ዘዊሩ። ነዚ ራሕቂ ንምርድኡ ምእንቲ ክቐልል: ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ብመንገዲ 6431...
ተስፋየ ገብረኣብ፡ ቅድሚ ግዜኡ ዝሓለፈ ፍሉጥ ደራሲ
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቅንያት ልደት፡ እቲ ስነጽሑፍ ኤርትራ ንቕድሚት ኣብ ምውንጫፍ ዓቢ ጽልዋ ክገብር ተስፋ ዝተነብረሉ ስሙይ ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ኣጋካሃን ናይሮቢ ከምዝዓረፈ ምስተነግረ ብዙሕ ፈታዊኡ ሰንቢዱ።እዚ ካብ ኤርትራውያን ስድራ ቤት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዝዓበየ ደራሲ - ኣብቲ ብዙሕ ከበርክተሉ ዝኽእል ዕድመ ቅድሚ ግዜኡ ብሞት ምስተዀልፈ "ዝተሰምዓኒ ሓዘን ክገልጾ ኣይክእልን!" ይብል ሓደ ካብቶም ብስርሓቱ ዘድንቘ ሃያሲ ስነጽሑፍ። ተስፋየ፡ ኣብ ምድረ ኦሮሞ፡ ቢሾፍቱ (ናዝሬት) እዩ...
ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ዘመላልሶ ዘሎ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ወግዓዊ ዑደት ንምክያድ፡ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምእታዉ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ መራሕቲ ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ጉዳያት፡ "ዓሚቕ ዘተ" ከም ዘካየዱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ `x` ገሊጹ። እዚ ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ዘቕንዓሉ ግዜ፡ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወጣጢርሉ ኣብ ዘሎ ብምዃኑ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ክስሕብ ቀሲቡ ኣሎ። ካብ 2018 ንደሓር፡ ሞቓድሾ ናብ ኣስመራ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ካብ...