ሕሜቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ እንታይ እዩ?
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮርዶፋን ዝተወሰነ ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብ2 ሰነ ብመገዲ ተሌግራም ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።ንሱ ኣብቲ ኣብ ህሉው ኵነታት ኲናት ሱዳን ማእከል ገይሩ ሓያለ ኣርእስታት ዝተናኸፈ መግለጺኡ ኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ። ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ -...
Latest releases
ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።
ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ
እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓይል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮውሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ዉግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዓወት ወ/ገብርኤል ኣብ ፋሽን ክዳውንቲ ኣመሪካ ስሙ ሕላገት ዝገድፍ ዘሎ መንእሰይ
ዋሽንግተን —ኣብ ኣዲስ ኣባበ ተወሊዱ ብንእሽቶኡ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ዓወት ወልደገብሪኤል፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን ኒውዮርክ ስሙ ዘድምቕ ዘሎ መንእሰይ’ዩ።
20 ሰነ: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።