ኣቡነ ሊዮ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጸዊዖም
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ጸዊዖም። ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም። ናጻ ፕረስ ክሕሎ ኣለዎ ዝበሉ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ "ክቡር...
Latest releases
ኣዲስ ኣበባ፣ ግፋ ኤርትራውያን ተኻይዱ
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ግፋ ኤርትራውያን ከምዝተኻየደ ምንጭታት ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፣ ንሰሌዳ ኮኾብ ኣመዝገብቲ ጐል ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ይመርሕ
ኣጥቃዓይ ኢትዮጵያዊት ክለብ ሃዋሳ ከነማ፡ ኤርትራዊ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብሸቶታቱ ይደምቕ።
ኤርትራ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ባጽዕ ኣትዩ
ብምክትል ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ዝመራሕ ልኡኽ ሩስያ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ 2024 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ባጽዕ ከም ዝኣተወ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣተዋሉ ምኽንያት ኣካል ወፍሪ ነዊሕ ጉዕዛ ባሕሪ ምዃኑ ተገሊጹ
ብ‘ፓሲፊክ‘ ዝፍለጥ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዝምቢ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
Load more...