ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት
ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንወኪል ስለያ እታ ሃገር ሞሳድ ሓደ ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣይሁድ [ቤተ-እስራኤላውያን] ብሕቡእ ኣውጺእኻ ናብታ ሃገር ንምውሳድ ዝግበር ምስጢራዊ ተልእኾ እዩ ነይሩ። በቲ ስርሒት ድማ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ብድሕሪኡ ናብ እስራኤል ኣትዮም። እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝትግበር 40 ዓመት ኮይኑ...
Latest releases
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።