ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን...
Latest releases
‘ካብዚ ዓዲ ንኽንወጽእ ሓግዙና’ - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሊባኖስ
ኣብ ሊባኖስ ብዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡን ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ይገልጹ ኣለዉ።ዜጋታት ሊባኖስ ካብቲ ከባቢ እናወጽኡ እቶም ምስኣታቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግን ኣብቲ ከባቢ ክተርፉ ይግደዱ ከምዘለዉ እቶም ግዳያት ንቢቢሲ ገሊጾም። ሳይዳ ኣብ ዝበሃል ገጠር ክትነብር ዝጸንሐት ሄለን ዝተባህለት ኢትዮጵያዊት፡ “ [ካብን ናብን ] ከንቀሳቕሰና ዝኽእል ሕጋዊ ወረቐት ዘይብልና ብዙሓት ሰባት ስለዘለና፡ ካብዚ ዓዲ ወጺእና ናብ ሃገርና ንኽንኣቱ በጃኹም ድምጺ ኵኑና” ክትብል...
ኤርትራዊያን ነበርቲ እስራኤል ኣብ ህልው ኩነታት እንታይ ይብሉ?
ዋሽንግተን —ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጎንፅን ውጥረትን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተራእየ ምውንጫፍ ሚሳይላት ኢራን ናብ እስራኤልን ደብዳብ እስራኤል ኣብ ሊባኖስን ንኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም ንዝብል ንኣባል ማሕበር ብሩህ ተስፋ ዝኾነ ብርሃነ ነጋሲ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምንያ...
ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት
ህዝቢ ዓለም፡ ቅድሚ 11 ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ሎም መዓልቲ - ሓሙስ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ 368 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ተረዲኡ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ስለምንታይ’ያ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ንደረጃኣ ዝምጥን ዓወት ምምዝጋብ ስኢና?
ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 29 መስከረም ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 91 ሻምፕዮና ዓለም ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰለሙንን ሙሴ ኣስሄልን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ምድባት’ያ ተወዳዲራ።