ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ...
Latest releases
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ እንታይ ይብል?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሸት ቀዳም 30 ሕዳር ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ልዕሊ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ፡ ኣብ “ልምዓታዊ መደባት” እታ ሃገር፡ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ኣመልኪቱ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ።እቲ ፕረዚደንት ኣብ መደባት ልምዓትን ህንጻን ኣገልግሎታት መጓዓዝያን ካልእን ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ። ኣብቲ ህዝቢ ነዊሕ ከማርረሉ ዝጸንሐን፡ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ ኣመና ከምዝተዳኸመ ዝግለጽ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘሎ ሕጽረታት ዝጠቐሰ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሓፈሻዊ “ክኸውን ኣለዎ” ኣብ ዝብል ዝሕቈፍ መገለጺታት ካብ ምሃብ ሓሊፉ ብንጹር ነቲ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተታሕዘ መደብ መንግስቲ ክገልጽ ኣይተሰምዐን። ...
ኤርትራ፡ ካብ ሃሳዪ ልምዲ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ናጽነተን ዝኣወጃ ከባቢታት
ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጸም ሃሳዪ በደልን ምግሃስ መሰልን ብምዃኑ ብዓለም ደረጃ ዝተፈንፈነን ብሕጊ ዝተኣገደን'ዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብዘሎ ድሑር እምነታትን ባህልታትን ክሽቦ ጓል-ኣንስተይቲ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ትካላት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ። ኣብ 2022 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረድኦ፡ 83 ሚእታዊት ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 19 ዝርከባ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ በቲ ኣሰቃቒ ልምዲ ክሽቦ ሓሊፈን። ...
ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ 'ዘይምኽንያታዊ ግፋን ማእሰርትን መሪርና'
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓድሽ'ኳ እንተዘይኰነ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብምዃኑ ኣብ ዓቢ ሻቕሎትን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዘእተዎም ነበርቲ ይገልጹ። እቶም ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝተሰደዱ ዝገልጹ ስደተኛታት ንህይወቶም ዝፍትን ወጽዓ የሕልፉ ከምዘለውን ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ዩኤንኤችሲኣር' ንጉዳዮም ኣቓልቦ ክህቦን ጸዊዖም ኣለው።
'ኤርትራ ዘለዉ ዘኽታማትን ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ቈልዑን' ዘተኰረት ተወዳዳሪት ሚስ ፕላነት
ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝጀመረ ውድድር ቍንጅና ሚስ ፕላነት፡ ሓደ ካብቶም ዓቢ ተቐባልነትን ጽልዋን ረኺቦም ዘለዉ ዓለማዊ ውድድራት እዩ። ኣብ ሕበረተሰበን ጸለውትን ኣፍረይትን ዝዀና ወይዘራዝር ብምትብባዕ ድማ፡ ንመትከላት ሕቡራት ሃገራት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ውሕስነት ዕቃበ ፕላነትን ህይወት ደቅሰብን ይጕስጕስ። ነዚ ተገንዚባ ድማ ዝበጽሖን ዘተግብሮን ራእይ ኣለኒ ብምባል ናብቲ ውድድር ዝኣተወት ጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ኤልዳና ሴም እያ። ኣብዚ ሎም ዘበን ኣብ ካምቦድያ ዝተኻየደ ውድድር “ሚስ ፕላነት 2024” ድማ ንሃገራ ወኪላ ምስ...