ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ትራምፕ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ ዝገበረለን፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር እዩ። ዋይትሃውስ ኣብ...
Latest releases
ስግኣትን ተስፋን ማሕበረሰባት ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን
ዋሽንግተን —ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስን ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡ ነበርትን ኣመሓደርቲ ወረዳታትን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ንውሳነ ባይቶ ኖርወይ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም
ኣብ ሃገሮም ሰልፊ ምግባር ይኹን ሕቶ ከቕርቡ መሰል ዘይብሎም ደገፍቲ ምልኪ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ውሳነ ባይቶ ሰልፊ ኣካይዶም::
መንግስቲ ፖላንድ: በይና ንዝሓረሰት ኤርትራዊት ስደተኛ 'ካብ ዶብ ኣይመለስክዋን' ኢሉ
ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ከምዝሓረሰት ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስቲ ፖላንድ ነታ ስደተኛ ካብ ዶባ ከምዘይመለሰታ ገሊፁ።
‘ቀቢላ ብን ዓምር፣ መበቆሎም ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም’ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ሱዳን፣ መበቆሎም ካብ ካልእ ሃገር ስለዝኾነ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበረ፣ ብርጋዴር ባድረዲን ዓብደልሓከም፣ ናዕቢ ብምልዕዓል ተወቒሱ።